The Wayback Machine - https://web.archive.org/web/20121108182113/http://www.tigrai.gov.et:80/

 

ራእይን / Vision/ ልኡኽን /Mission /ብሄራዊ ክልላዊ  መንግስቲ ትግራይ

ራእይ

 ዝተመሓየሸ መነባብሮ ዝለዓለ ብርኪ ትምህርትን ቴክኖሎጂን ዝወነነ ሕብረተሰብ፣ ኣብ ተሳትፎ ህዝቢ ዝተመስረተ ዲሞክራሲ፣ ሰላምን ሰናይ ምምሕዳርን ዝነገሰላ፣ ምዕቡልን ተወዳዳራይ ዝኾነ ማእኸላይ እቶት ዘለወን ሃገራት ዘረጋገፀኦ ብርኪ ዕብየት ኢኮኖሚ ዝበፅሐት ትግራይ ምርኣይ

ልኡኽ

ናይዚክልል ሰብኣውን ተፈጥሮኣውን ሃፍቲ ናብ ስሉጥ ልምዓት እቲ ክልል ብምቕያር፣ ሰብኣውን ዴሞክራሲያውን መሰላት ዜጋታት ብምኽባር ሰላምን ፀጥታን  ብምርግጋፅ፣ ትምህርትን ጥዕናን  ንኹሉ ዜጋ ክባፃሕ ብምግባር ሕገመንግስቲ ዝፈቕዶም ኢኮኖሚያዊ ማሕበራዊ ፖለቲካዊ መሰላት ክኽበሩ ምግባር

 

ራእይ፣  ልኡኽ፣ ዕላማን  ክብርታትን  ቤት ፅሕፈት ርእሰ  ምምሕዳር                

 ራእይ / Vision /

  ተገልገልትና ብኣወሃህባ ግልጋሎትና ዓጊቦምን ርክባት ተጠናኺሩን ምርኣይ

ልኡኽ  / Mission /

        ስሉጥን  ውፅኢታውን  ግልጋሎት  ብምቕራብ ፣ ስራሕቲ ርክብ ህዝቢ ብምስላጥ ፣ ግልጋሎት  ፕሮተኮልን መስተንግዶን ፣ ብምሃብ ርእሰ ምምሕዳርን ስራሕ ፈፃሚትን / ካብኔ/ ስራሕቶም ከዕዉቱ ምሕጋዝ ፡፡

ዕላማ /objectives/

       ርእሰ ምምሕዳርን ቤት ምኽሪ ስራሕ ፈፃሚትን ዝተወሃቦም ሕገ መንግስታዊ  ሓላፍነት

       ብብቕዓት ንክዋፅኡ ዝተዋደደ ኩለመዳያዊ ደገፍ ብምሃብ  ስራሕ ክዕወት ምግባር ፡፡

ክብርታት / ፀጋታት / Core values /

       ቤት ፅሕፈት ርእሰ  ምምሕዳር  ብመንፅር ዝተጣየሸሉ ናይ ሕጊ ሰነድን  ዕላማን ፣ካብ  ራእይናን ልኡኽናን  ብምብጋስ  ዘለውና  ክብርታት / ፀጋታት / ፣

1.   ስራሕቲ ርክብ ህዝብን ምምሕዳርን  ምጥንኻር

2.   ብሉፅ ግልጋሎት ፋይናንስን  ንብረትን  ምሃብ

3.   ብሉፅ ግልጋሎት መስተንግዶ ምሃብ ፣

4.   ኣብ ምርግጋፅ ፍትሕን ሰናይ  ምምሕዳርን  ብፅሒትና  ምብርካት ፣

5.   ምሽጥር ምሕላው ፣

  -------------------------------------------------------------------------------------------------------------------------------

·         

 

 

 

ዜና

  • ኣይተ ኣባይ ወልዱ ኣብ ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል ዑደት ስራሕ ኣካይዶም readmore...

 

  • ብምኽንያት መስዋእቲ መራሒ ሃገርና ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ዝተውሃበ መግለፂ ቅዋም ላዕለዎትን ማእኸለዎትን ኣመራርሓ ትግራይ readmore...

  • ብምኽንያት መስዋእቲ ክቡር ቐዳማይሚኒስተር መለስ ዜናዊ ብብሄራዊ ክልላዊመንግስቲ ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂ ሓዘን read more...
  • መግለፂ ሓዘን ካብ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ read more ...
  • ካብ ክልል ትግራይ ናይ ሃይማኖት ትካላት ጉባኤ ዝቀረበ መግለፂ ሓዘን read more...

  • መግለፂ ሓዘን ክቡር ጠቅላይ ሚንስተር መለስ ዜናዊ ካብ ማሕበር ደቂ ኣንስ��ዮ ክልል ትግራይ read more ...

  • ኣብ ብሄራዊ  ክልላዊ  መንግስቲ  ትግራይ  ኣወዳድባ  ስልጣንን  ተግባርን ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር  ንምውሳን ዝወፀ ኣዋጅ ቁፅሪ 63 / 1995  ዓ /ም read more...
  •  ተመሓይሹ  ኣብ ዝወፀ ሕገ መንግስቲ ብሄራዊ  ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ read more...
  •  ስነ ስርዓት ምዝገባ ሃፍቲ ኣብ ክልልና ብዕሊ ተጀሚሩ read more...